Download App
    Facebook Twitter Telegram YouTube Instagram
    • About
    • Contact
    • Donate
    Latest
    • Summary of the Current Situation of the World and its Consequences
    • European Commissioner for Crisis Management & Humanitarian Aid, Mr. Janez Lenarcic held constructive discussions with the President of Tigray, Dr. Debrestion Gebremichael
    • The #PP government, and the “ENDF military leadership in #Ethiopia are ultimately politically and juridically responsible for the #warcrimes, crimes against humanity, and possibly #genocide for their war in and on #Tigray.
    • President of Tigray, Dr. Debretsion Gebremichael, received and held talks with EU Special Envoy, Olusegun Obasanjo, on Regional Matters
    • Sixteen journalists have been arrested in Ethiopia, with kidnappings started last week
    • ============== ናይ ግድን!! ==============
    • Statement on Dr. Tedros Adhanom’s Reelection as Director-General
      of the World Health Organization
    • BreakingNews: Outgoing Somalia President Mohammed Farmaajo finally confirmed that 5,000 Somali soldiers didn’t return back from Eritrea
    • Are you born racist or nurtured to be racist? : A comparison between responses of the world to the Tigrayans’ and Ukrainians’ calls
    • The Underlying Causes for Tragedies Befalling the Subjects of God-Forsaken Ethiopian Empire And A Few Remedial Prescriptions.
    Facebook Twitter Telegram YouTube Instagram
    Dedebit Media Dedebit Media
    • Home
    • News
    • Articles
    • Videos
    • Language | ቋንቋ
      • ትግርኛ
      • አማርኛ
    Dedebit Media Dedebit Media
    Home » ============== ናይ ግድን!! ==============

    ============== ናይ ግድን!! ==============

    Article May 29, 20225 Mins Read
    Shares

    ብ ገነት ኣረፈ

    ኣብ በቢመዋእሉ ዝነበረ ክብርታትናን ጅግንነት ወለዶታት ከምዘርእዮ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህልውንኡ ተላዒሎም ክጭፍልቅዎ ንዝመፁ ሓይሊታት ከከም ኣመፃፅኦም ብቃልሱ እንዳመከተ ህልውንኡ እንዳውሐሰ መፂኡ እዩ፡፡አብ ሎሚ’ውን ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኣብይ፣ ገባቲ ተሰፋሕፋሒ መንግስቲ ኣምሓራን፣ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሰያስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ብሄር ዝዓለመ ወራር ኣዊጆምልናን ፈፂሞምልናን እዮም፣፣ነዚ ወራር ብህዝባዊ ኵናት ምምካት ካብ እንጅምር እንሆ 18 ወርሒ ኣሕሊፍና ኣለና ኣብዘን ኣዋርሓት ከበድቲ ናይ ህልውና ፈተናታት መከራን : ፀበባታትን ዝነበሮን ዘሎን፣ ቃልስን ፅንዓትን ተኣመራዊን ተደራራቢ ዓወታት ዝተመዝገበሉ ግዜ ነይሩ።ኣብ ታሪኽናን ተሞክሮ ዓለም ከምዘርእዮ ዉሕሉል ዓቕምታት መናእሰይ ዝተጠቐመ ዓዲ ብምዕባለ ይሕምበብን ዘላቂ ሰላም ዘረጋገፀ ሃገር ይኸዉንን።ብኣንፃሩ ድማ ነዚ ዘባኸነ ዓዲ ድማ  ማእኸል ዕግርግርን ህዉከትን ከም ዝኸዉን ዓለማዊ ተሞክሮታት የማላኽቱና፡፡ እቲ ናይ ሐዚ ወለዶ መናእሰይ ትግራይ’ውን  ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ዘይደራደር፣ ኣብ ጉዳይ መሰል ዓርሰ ዉሳነን ምሕደርኡን ከምዘይደራደርን ዘድሊ መስዋእቲ ዝኸፍል  ከምዝኾነን ዘኹርዕን ዘሕብንን ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ እናመስከረን ይርከብ። ሐዚ’ውን  ገና ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና፣ ሕዚ እውን ገና መሬት ትግራይ ሓራ ኣይወፀን፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀቦን መከራን ይርከብ :: ጉዳይ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ምርግጋፅ ናይ ግድን እዩ። ናይ ግድን ኢልካ ምብጋስን ናይ ግድን እዩ ኢልካ ምፍፃም የሓተና፡፡

    ህዝቢ ትግራይ አብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ስልጣነታት ዝወነነ ህዝቢ እዩ፡፡ አቦታትናን እኖታትናና ናይ ባዕሎም ጥበብ፤ ፈጠራን ተጠቒሞም ዓለም ዘደመመ ቅርስታት ገዲፎምልና ሓሊፎም እዮም፡፡ ብጅግንነትን ብፖለቲካን እውን አብ ዓለም ታሪኽ ዝተመዝገበ ፍፃመታት ተመዝጊቦም እዮም፡፡ትግራይ ናይ ባዕላ ፊደል፤ቑፅርታት ፤ስልጣነ ፤ዜማን ቅኔን ዝወነነት ክትከውን ገይሮም : እዚ ናይ ወለድና ዝፈፅምዎ ታሪኽ እዩ፡፡ ናይዚ ሐዚ ወሎዶ ታሪኽ አይኮነን፡፡ ናይዚ ወለዶ ሕዚ መንእሰይ ትግራይ አብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ብፍላይ አብ ተጋድሎ አንፃር ወረርቲ ዝምዝገበ ዘሎ ታሪኽ ብጣዕሚ ተኣምራዊ ዝኾነ እዩ፡፡ እዚ ታሪኽ ብፅቡቕ ተወዲኡ ደመኛታት ፀላእትና ብምቕባር ሓድሽ ታሪኽ መንእሰይ ትግራይ ክሰርሕ ተፅቢት ይግበረሉ፡ ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን በቢምዕራፉ ፀላእትና ካብ መቃብሮም እንዳተለዓሉ ዝወርዋ ትግራይ ክትህልውና ኣይግባእን ናይ ቡዝሕ ምዕራፋት ዕንክሊል ሎሚ ክስበር ግድን እዩ ኢልና ክንሰርሕ ኣለና፡፡

    Images showing the history, architecture and heroism of Tigrayans (Source: www.tigraiacademy.com)

    ብቡዝሕ መንገዲ ንትግራይ ኣብነት ትኾና ዓዲ ኢስራኤል እያ፡፡ እስራኤላውያን ኣብዚ ሕዚ በፂሐሞ ዘለዉ ብርኪ ክትበፅሕ ቡዝሓት ዕማማት ናይ ግድን ኢሎም ስለዝዓመሙ እዮም ግድነት ኢልካ እንተተበጊስካ ዓብይ ሓይሊ እዩ ዝህበካ ኢሎም ይኣምኑ፡፡ እስራኤልውያን ናይ ግድን ዓድና ክንኣቱ ኣለና ኢሎም ብናይ ሮማ  ኢምፓየር ዝትበታተኑ /ብሃይማኖት ቃል እግዝኣብሄር ክፍፀም ተበቲኖም እዩ ዝብል/ ን2000 ዓመት ኣብ ስደት ድሕሪ ምፅናሕ ተመሊሶም ዓዲ ፈጢሮም ቡዝሕ ተኣምር ሰሪሖም፡፡ ናይ ግድን ስለዝበሉ ካብ ስደት ተመሊሶም ኣብ መሬት ኢስራኤል ሰፊሮም ናይ ግድን እስራኤል ቴክኖሎጂ ክህልዋ ኣለዋ ኢሎም ቡዝሕ ፈጠራን ቴክኖሎጂን ምሂዞም፣  ናይ ግድን ኢሎም ጨዋማ ሓመድ ናብ ልሙዕ ሓመድ ክቅይርዎ ኪኢሎም፣ ምድረበዳን በረኻን መሬት ናብ ፍረታት ከምርቱ ኪኢሎም፣ ጠንካራ ሓይሊ ምክልኻል ኢስራኤል ክሃንፁ ዝኸኣሉ፡፡ ካብ ኢስራኤል ንመሃሮ ሓሳብ ምፍልፋል ጥራሕ እኹል ኣይኮነን መሪሕነት’ውን ወሳኒ እዩ፡፡ መራሕቲ ኢስራኤል ቤን ግርዮን ሽሞን ፐረስን ግድነት/necessity/ ኢልካ ኣብ ምስራሕ ዓብይ ተራ ተፃዊቶም፡፡ ብፍላይ ተኣምር ዝበሃል ንእሽተይ ዓዲ ኣፅዋር ኑክለር ክተማዕብል ዲሞና ዝበሃል ፕሮጀክት ሓንፂፆምን ሃኒፆምን ሓያል ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ዝፈጥር ንፀላኢ ኣደብ ዘትሕዝን ዘዐግስን ፈጢሮም፣ ካሊእ ዝሰርሕዎ ኣንፀባራቂ ስራሕ ነፋሪት ፈረንሳይ ዝኾነት ካብ ኤሰራኤል ተበጊሳ ናብ ፖሪስ ትበርር ዝነበረት ኣሸበርቲ ጨውዮም ናብ ዩጋንዳ ኣብ ኤንቴብ መዕርፎ ነፈርቲ ዘዕለቡዋ  250 ተሳፈረቲ ዝሓዘት እቶም 100 ዝኾኑ ቤተኤሰረኣላውያን ወይ ዜጋታት ኢስራኤል ነይሮም እቶም ኣሸበርቲውን ንካልኦት ዜጋ ሰዲዶም ኮነ ኢሎም ንዜጋታት ኤስራኤል ዓጊቶሞም ኣብ ከምዚ ግዜ ነይሮም እስረኤላውያን ኢንቴበን ኦፐሬሽን ኢሎም ሰይሞም ካብ ግበረ ራዕዲ ዜጋታቶም ዘድሕኑ እሞ ድማ ኣብ መሬቶም ከይኮነስ ኣብ ዘይዓዶም ኣብ ዩጋንዳ ከይዶም እቲ ስርሒት ብዓወት ፈፂመሞ፡፡

    እቲ ካሊእ ንሕና ንመሃሮ ሃገረ ኤስራኤል  ብጣዕሚ ንእሽተይ ዓድን ብባሕሪ ፀላእቲ ዝተኸበበት ዓዲ እያ፡፡ ዋላ ጠንካራ ዝበሃል ናይ ምክልኻል ዓቅምን ናይ ኢኮኖሚ ዓቅሚ ዝሃነፀት እንተኾነት ኣፍቲ መጀመረያ ከባቢ ንዓኣ ንምጥፋእ ኩሎም ኣብ ኣፈ’ቲ ዞባ ዝረከባ ሃገራት ዝሕነዩላን ዝፅዕሩን ግን ድማ ኢስራኤል ካብ ብሰላምን ምትእምማንን ወፃኢ ብካሊእ ኣይፍታሕን ዘንተእለት ኣብ ኩናትን ጎንፂን ኣይዋፅን ኢሎም ብምሕሳብ ተኣምር ዝተበሃለሉ ምስ ፊሊስጤም ዘተገበረ ናይ ሰላም ስምምዕነት ጀሚሩ ምስ ኩለን ጎረባብታ ናይ ሰላም ስምምዕነት ተፈራሪማ እያ፡፡

    ብተመሳሳሊ ንሕና ተጋሩ ናይ ግድን ኢልና ግዜ ከይሃብና ለይትን ቀትርን ከይደቀስና ክንፍፅሞም ዝግበአና ቡዝሓት ዕማማት ኣለዉና፡፡ ወለድና ናይ ግድን ክኾን ኣለዎ ኢሎም ዝፈፀምዎ ስራሕቲ ቡዝሓት እዮም ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ /ወዲ ቁቢ/ ናይ ግድን ኢሎም ዝፈፀምዎ ጅግንነት ብጣዕሚ ቡዝሓት እዮም ካፍቶም ቡዝሓት ሓንቲ ወረርቲ ብቀይሕ ባሕሪ እንዳተቀልቀሉ መሬት ከስፋሕፍሑ ወደብ ክቆፃፀሩ ዝፈታትንዎም ዝነበሩ ፀላእቲ ብፍላይ ግብፂ፣ ጣልያንን ደረቡሽን ናይ ግድን ፀላእተይ ከይደምሰሰኩ መሬተይ ሓራ ከይኣውፃእኩ ኣይዓርፍን ንምባል ዝተጠቀምሉ ኣባህላን ብተግባር ዝፈፀምውን ብፈላይ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ኣፈቲ ዶብ ሰፊርኩም ዘለኹም ከይፀራረግኹም ኣይዓርፍን ንምባል ፈረሰይ እማ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ከይሰተየት ኣይትምለስን ይብሉ ነይሮም ፡፡ ኣፍቲ  ናይ 17 ዓመት ሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ’ውን ቃልሰና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ኢሎም ተቃሊሶም ከምቲ ናይ ግድን ዝበልዎ ተዓዊቶም፡፡ ሎሚ እውን ትግራይ ብልፍንቲ ዝወረርዋ ፀላእቲ ንምንጋፍ ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቅልፅመና ኢላ ተላዒላ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ዝበዝሕ መሬት ትግራይ ሓራ ኣውፂኣ እያ፡፡ ግን ድማ ሐዚ ውን ናይ ግድነት ተባሂሎም ዝዕመሙ ቡዝሕ ነገር ይትርፈና፡-

    ሓደ ዘይተዛዘመ ቃልሲ ኣለና ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ፤ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ብድምፂ ህዝቢ (ሪፈረንደም) ብመክያድ ምርግጋፅ፡፡ ትግራይ ናይ ባዕላ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝወነነት፤ናይ ባዕላ ኢኮኖምያዊ ምሕደራ ዘለዋ ምግባር ግድን እዩ፡፡ ፀላእትና ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ፍርዶም ክርኽቡ ምስራሕን  ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ተሰኒዱ ከይድገም ወለዶታት ከመሃርሉ ምግባር ናይ ግድን እዩ፡፡ ትግራይ ኣብ ባዕልና ዝተመረከሰን ብኢኮኖሚ ዝተወንጨፈት ትግራይ ምህናፅ ናይ ግድን እዩ፡፡ሕድ ሕድ ትግራዋይ እዚአን ካልኦት ኣብዚ ዘይተዘርዘሩ ኣዕቢኻ ምሕሳብን ምፍፃምን ክረባረብ ኣለዎ፡፡ ትግራይ ትስዕር ኢልና ክንጭርሕ እንተለና ናይ ግድን እዩ ኢልና ብተግባር ብምፍፃም ክድገፍን ክሽረፍን ኣለዎ፡፡እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ትግራይ ብድለይትን ብባህግን ጥራይ ዝምፅእ ዘይኮነስ ብስራሕ፤ ብምርምር፤ብትምህርቲ፤ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝርከብ ምኻኑ፣ አብዚ ቑርፂ  ምዕራፍ ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋል ል ወለዶታት ትግራይ እናተዘከረ ዝሓልፍ ፋፃመ ክኾውን ምስራሕ የድሊ፡፡ ናይ ሕዚ ዘለና ወለዶ ናይ ፅባሕ ወለዶ ይመልእዎ ኢልና ንገድፎ ክህሉ የብሉን እቲ ዕንክሊል ክስበር ኣለዎ፡፡  መንእሰይ ትግራይ ዝተፈረሐት፣ ብፀላእታ ዘይትድፍር፣ በኢኮኖሚ ዝማዕበለት፣ ብወተሃደራዊ ድልዉነት ዝዓበየት፤ስልጡንን ዝተወደበ ህዝቢ ፤ብትምህርትን ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝዓበየት ትግራይ ጋህዲ ምግባር ዓብይ ታሪኻዊ ሓላፍነት አለና ::   ክፍፅም እውን ግድን እዩ፡፡

    ትግራይ ትስዕር!!!!!

    Shares
    Previous ArticleStatement on Dr. Tedros Adhanom’s Reelection as Director-General
    of the World Health Organization
    Next Article Sixteen journalists have been arrested in Ethiopia, with kidnappings started last week

    Related

    Summary of the Current Situation of the World and its Consequences

    Article June 22, 20226 Mins Read

    Are you born racist or nurtured to be racist? : A comparison between responses of the world to the Tigrayans’ and Ukrainians’ calls

    Analysis May 23, 202221 Mins Read

    The Underlying Causes for Tragedies Befalling the Subjects of God-Forsaken Ethiopian Empire And A Few Remedial Prescriptions.

    Analysis May 22, 202216 Mins Read
    Add A Comment

    Leave A Reply Cancel Reply

    You must be logged in to post a comment.

    Latest

    Summary of the Current Situation of the World and its Consequences

    Article June 22, 20226 Mins Read

    European Commissioner for Crisis Management & Humanitarian Aid, Mr. Janez Lenarcic held constructive discussions with the President of Tigray, Dr. Debrestion Gebremichael

    News June 21, 20221 Min Read

    The #PP government, and the “ENDF military leadership in #Ethiopia are ultimately politically and juridically responsible for the #warcrimes, crimes against humanity, and possibly #genocide for their war in and on #Tigray.

    Argument June 3, 20223 Mins Read

    President of Tigray, Dr. Debretsion Gebremichael, received and held talks with EU Special Envoy, Olusegun Obasanjo, on Regional Matters

    Breaking News May 31, 20221 Min Read
    Find us on Facebook
    Facebook page
    Follow us on Twitter
    Twitter
    About

    ደደቢት ሚድያ ጥቕምን ክብርን ትግራይ ኣብ ምሕላው፣ ዝተዛብዐ ታሪኽ ኣብ ምስትኽኻል፣ ዝተወሰደ ቅርሲ ኣብ ምምላስን ንቐፃሊ ውሕስነት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ጠንኪሩ ዝሰርሕ ሚድያ እዩ፡፡

    ደደቢት ሚድያ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኢንግሊዝኛን መደባት የዳሉ።

    Latest

    Summary of the Current Situation of the World and its Consequences

    Article June 22, 20226 Mins Read

    European Commissioner for Crisis Management & Humanitarian Aid, Mr. Janez Lenarcic held constructive discussions with the President of Tigray, Dr. Debrestion Gebremichael

    News June 21, 20221 Min Read

    The #PP government, and the “ENDF military leadership in #Ethiopia are ultimately politically and juridically responsible for the #warcrimes, crimes against humanity, and possibly #genocide for their war in and on #Tigray.

    Argument June 3, 20223 Mins Read
    Register to be a member.

    Download App
    Facebook Twitter Telegram YouTube Instagram
    • About
    • Contact
    • Donate
    © 2022 Dedebit Media

    Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

    Share

    Blogger
    Delicious
    Digg
    Email
    Facebook
    Facebook messenger
    Google
    Hacker News
    Line
    LinkedIn
    Mix
    Odnoklassniki
    PDF
    Pinterest
    Pocket
    Print
    Reddit
    Renren
    Short link
    SMS
    Skype
    Telegram
    Tumblr
    Twitter
    VKontakte
    wechat
    Weibo
    WhatsApp
    Xing
    Yahoo! Mail
    Powered by WP Socializer

    Copy short link

    Copy link
    Powered by WP Socializer